60 ደቒቕ

ኣገባብ ኣሰራርሓ

ነቲ መባዅዕቲ ምስቲ ሓርጭን ጨውን ብማይ ትሓዋውሶ።  ነቲ ብሑቝ ክሳዕ ንጽባሒቱ ኣብ መዝሓሊ ተቐምጦ።

እቲ ብሑቝ ሓፊሱ እንተ ሓዲሩ፡ ቍሩብ ማይ ትውስኸሉ።  እቲ ብሑቝ ልክዕ ከም ናይ ዋፍል ብሑቝ ክቐጥን ኣለዎ።

ዓቢ ዝዀነ መጥበሲ ባዴላ ኣብ ሓዊ ተርስኖ እሞ፡ ነቲ ብሑቝ ካብ 0.5 ሰ.ሜ. ንላዕሊ ዘይረጕድ ጌርካ ትስንክቶ።  እንጀራ ክስነከት ከሎ ክግልበጥ ኣየድልዮን እዩ፣ ብሓደ ሸነኹ ጥራይ እዩ ክስንከት ዘድልዮ፣ እቲ እተሰንከተ ብሑቝ ብላዕሊ ዓይኒ ምስ ኣውጽአን ብታሕቲ ጽቡቕ ሕብሪ ምስ ሓዘን ከኣ ካብቲ ባደላ ይወጽእ።

ነቲ እንጀራ ካብቲ ባዴላ ኣውጺእካ ኣብ ብያቲ ወይ ካልእ ነገር ተዝሕሎ። ኵሉ እቲ ብሑቝ ክሳዕ ዝስንከት ከኣ እቲ መስርሕ በዚ ኸምዚ ይቕጽል።

እቲ ኣሰራርሓን ስእልን ካብ Matprat.no ብፍቓድ እተወስደ እዩ። ስእሊ፦ ማሪ ስቨንኒንግሰን። 

እዚ ኣሰራርሓ ምግቢ ኣብቲ “ምግብሲ ምግቢ ጥራይ ኣይኰነን” ዝብሃል ፕሮጀክት እተጠቓለለ ኣይኰነን። ከም ተወሳኺ ኣማራጺ ኢና ኣእቲናዮ።

ዘድሊ ነገራት

ን12 ዝኸውን

0.5 ባኮ ለቢቶ

1 ሊትሮ ማይ

500 ግራም ሓርጭ ስርናይ

500 ግራም ሓርጭ ስገም

1 ናይ ሻሂ ማንካ ጨው

መኣዛዊ ትሕዝቶ እቲ ምግቢ ኣብ 100 ግራም

ጕልበት/ብካሎሪ

284 ኪሎ ካሎሪ/168 ኪሎ ካሎሪl

ካርቦሃይድሬት

56 ግራም/33 ግራም

ፕሮቲን

9 ግራም/5 ግራም

ስብሒ

1.5 ግራም/1 ግራም

- ሳቹሬትድ ስብሒ

0.25 ግራም/0.15 ግራም

- ሞኖሳቹሬትድ ስብሒ

0.2 ግራም/0.1 ግራም

- ፖሊሳቹሬትድ ስብሒ

1 ግራም/0.5 ግራም

ናይቲ ምግቢ ፋይበር

6.5 ግራም/4 ግራም

ትሕዝቶ ኣለርጂ

ግሉተን

እወ

ላክቶስ

የብሉን

ንመወዳእታ ግዜ እተኣረመ፦ 09/06/23፣ እተሓትመ፦ 24/05/23