90 ደቒቕ

ኣገባብ ኣሰራርሓ

ኣብ ሓደ ዓቢ ድስቲ ዝሑል ማይ ግበር፣ ነቲ ለሚን ቈራሪጽካ ናብቲ ማይ ኣእትዎ።

ነቲ ስጋ ደርሆ ብማይ ሕጸቦ፡ ነቲ ቈርበቱ ኣልግሶ፡ ኣዕቢ ኣቢልካ ድማ ቘራርጾ።  ነቲ እተቘራረጸ ስጋ ደርሆ ኣብቲ ዝሑል ማይን ለሚንን ዘለዎ ድስቲ ኣእትዎ።

ነቲ ሽጕርቲ ቐሪፍካ ኣድቂቕካ ምተሮ። 

ነቲ ሽጕርቲ ኣብ ድስቲ ጌርካ ቕይሕ ክሳዕ ዝብል ቅለዎ። ማእከላይ/ትሑት ብዝዀነ ሓዊ ጌርካ ቕለዎ። ዘይቲ ወይ ጠስሚ ከተእትወሉ ኣየድልን እዩ። 

ድሕሪኡ ዘይቲ ኣእቲኻ ንተወሳኺ 10-15 ደቒቕ ቕለዎ።

እቲ ሽጕርቲ ምስ ተቐልወ፡ በርበረ ኣእቲኻ ማእከላይ/ትሑት ብዝዀነ ሓዊ ጌርካ ንኣስታት 15 ደቒቕ ቕለዎ። 

ነቲ እተመትረ ኮሚደረ ኣእቲኻ እንተወሓደ ን25 ደቒቕ ዝኸውን እንተተኻኢሉ ንልዕሊ ግዜ ኣብስሎ። ንቕጽ እንተ ኢሉ፡ ቍሩብ ማይ ወስኸሉ፡ ጸጸኒሕካ ድማ ኣዅሶ። 

ነቲ እተቘራጸ ስጋ ደርሆ ብናይ ቡምባ ማይ ሕጸቦ፡ ኣብቲ ናይ ጸብሒ ድማ ኣእትዎ። ቍሩብ እናኣዀስካ ድማ ማእከላይ/ትሑት ብዝዀነ ሓዊ ን35-45 ደቒቕ ወይ ከኣ እቲ ስጋ ደርሆ ጽቡቕ ገይሩ ክሳዕ ዝበስል ኣብስሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዝተረፈ ነገራት ኣእቲኻ እናሕበርካ ንኣስታት 10 ደቒቕ ኣብስሎ።

ነቲ እንቋቝሖታት ንበይኑ ኣብስሎ፡ ቅረፎ፡ ብፋርኬታ/ካራ ጌርካ ድማ ቍሩብ ኣንኩሎ። ድሕሪኡ ነቲ እንቋቝሖታት ናብቲ ጸብሒ ኣእትዎ። 

ዘድሊ ነገራት

ን6 ዝኸውን

3 ሽጕርቲ                                

1 ኪሎ ግራም ዝኸውን ቍርጽራጽ ስጋ ደርሆ

4 ናይ ሾርባ ማንካ ዘይቲ ኣውልዕ                                

4-5 ናይ ሾርባ ማንካ በርበረ (እተቓመመ) 

3-4 ናይ ሾርባ ማንካ ጠስሚ                        

1 ባኮ እተጣሕነ ኮሚደረ

2 ለሚን                                                      

8 እንቋቝሖ

1 ዕኳሮ ሽጕርቲ ጻዕዳ                                           

ቍንጣሮ በርበረ ጸሊም

ንመጥዓሚ ዝኸውን ጨው                                  

½ ናይ ሻሂ ማንካ እተጣሕነ ጅንጅብል

መኣዛዊ ትሕዝቶ እቲ ምግቢ ኣብ 100 ግራም

ጕልበት/ብካሎሪ

440 ኪሎ ካሎሪ/116 ኪሎ ካሎሪ

ካርቦሃይድሬት

8 ግራም/2 ግራም

ፕሮቲን

54 ግራም/14 ግራም

ስብሒ

20 ግራም/5.5 ግራም

- ሳቹሬትድ ስብሒ

6 ግራም/1.5 ግራም

- ሞኖሳቹሬትድ ስብሒ

9.5 ግራም/2.5 ግራም

- ፖሊሳቹሬትድ ስብሒ

3 ግራም/1 ግራም

ናይቲ ምግቢ ፋይበር

4 ግራም/1 ግራም

ትሕዝቶ ኣለርጂ

ግሉተን

የብሉን

ላክቶስ

የብሉን

ንመወዳእታ ግዜ እተኣረመ፦ 05/06/23፣ እተሓትመ፦ 24/05/23